Tigray Independent
Serving the truth!!
28/04/2026
ሰለስተ ግዜ ዝጠለመ ኣፈወርቂ
=========================
ኣፈወርቂ ገብረሂወት ብህረፍ ስልጣንብተደጋጋሚ ገደል ዝፀደፈ እዩ። መሳርሕቱ ምቅጣር እውን ናቱ እያ ይብልዋ። በዚ ህረፉ ድማ ከም ጴጥሮስ ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ግዜ ጠሊሙ። ኣፈወርቂ ፈለማ ኣብ ወራር 2013 ዓ/ም ካብ በረኻ ተመሊሱ ክሳብ መጋቢት ኣብ ከተማ እዩ ፀኒሑ። ጋዜጠኛታት ናብ ስራሕ ናይ ፒፒ ክኣትው ዘተባብዕ ዝኘበረ እዩ።ሓደ በለለይ።
ቀፂሉ ጌታቸው ረዳ ንትግራይ እንትሕምሳ ኣፈወርቂ ብህረፍ ስልጣኑ ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሽኑ ንምዃን ግዜ ኣይወሰደሉን። በዚ እውን ኣብ ትግራይ እዚ ዘይበሃል በደል ፈፂሙ። ቴሌቭዥኝ ትግራይ ኣብ ማእኸል መቐለ ኮይኑ ኣንፃር ለኣላውነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ እንትወፍር ቀንዲ ዘዋሪኡ ኣፈወርቂ ነይሩ። እዚ እናገበረ እውን ኣይሓፍርን ብደገ ንመሳርሕቱ ይኸስስ ብውሽጢ ድማ ስርሑ ይሰርሕ።
ሳልሳይ ጥልመት ኣፈወርቂ ሕዚ እዩ። ናብ ባዕሉ ዝተፀሓፈ ደብዳበ ዘርጊሑ ወዲ ወረደ ሸይሙኒ እዩ ይብል ኣሎ። ኣባዲ ኣየርክብን ኢሉኒ ዝብል ዘሎ እውን ባዕሉ እዩ። ብዝሓለፈ ክሕደት ከይተጠዓሰ ሕዚ እውን ብሕሶትን ምጭብርባርን ተሓጊዙ ጥልመት ይፍፅም ኣሎ።
ብሓፂሩ ታሪኽ ኣፈወርቂ ታሪኽ ጴጥሮስ እዩ። ጴጥሮስ ኣብ ሓደ ለይቲ ንእየሱስ ሰለስተ ግዜ ጠሊምዎ። ኣፈወርቂ ብሕሉፍ ህረፍ ስልጣን ሰለስተ ግዜ ጠሊሙ። እየሱስ ንጴጥሮስ ገና ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ግዜ ክትጠልመኒ ኢኻ ኢልዎ ነይሩ። ኣፈወርቂ እውን ጠላም ከምዝኾነ ኣቐዲሙ እውን ዝፍለጥ እዩ።
በዚ በለ በቲ ዝሓልፍ ዝናብ ኣይውቃዕኻ እዩ። ወዲ ወረደ ክመላለአካ እምበር ብወዲ ወረደ ዝተፃሕፈ ውክልና ክንደየናይ ናይ ስልጣን ሸውሃትካ ከየዕግበልካ። ጴጥሮሳይ
ኣባዲ ገብረስላሴ ግን ብናይ ብልፅግና ደብዳቤ ክልዓል ኣይኽእልን። ኣልግስ በሎ ኣባዲ።
14/04/2026
ብኣብይ ኣሕመድ ሕጉስ እየ ''ፃድቃን ገ/ተለኣኣኺ''
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጄኖሳይድ ፈፂሙ ህዝቢ ስለዘፅነተ ድዩ ተሓጉስኻ ??
ልዕሊ 100 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንክዕመፃ ስለዝገበረ ድዩ ተሓጉስኻ ?
መሬት ትግራይ ወሪሩ ሒዙ ልዕሊ 1.5 ሚሊየን ተጋሩ ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ ኣብ በረኻታት ሱዳንን ፅርጊያታት ትግራይን ስለዝበተነ ድዩ ተሓጉስኻ ??
ጀነራል ቂምን ፅልኢን
01/04/2026
እዚ ወዲ #ክበልዕ ጥራሕ እዩ ናብዛ መሬት መፂኡ።
#ከብዳም #ጠላም ዝብሉ ቃላት ነዚ ሰብ ብልክዑ ዘይክገልፅዎ ይኽእሉ። ልዕሊ ቃላት እዩ ሕመቑ።
እቲ ዝገርም ድማ መምሰሊ ምዃኑ እዩ። ኣምሲሉ ክበልዕ ተጠሊዑ ይነብዕ!
18/02/2026
DW International ፅምብል 11 ለካቲት ኣብ ዋሽንግተን ካልኣይ ክፋል Subscribe ይግበሩ! # ይግበሩ!©Copyright: Dimtsi Weyane Television | ድምፂ ወያነ ቴሌቪዥን Any unauthorized use, c...
Click here to claim your Sponsored Listing.