Redae W. Halefom

Redae W. Halefom

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Redae W. Halefom, Politician, 9009 Weatherly Way, Lorton, VA, Mekelle.

26/02/2026

ድምፂ ህዝቢ ክሰምዕ ንዝፍትን ኣካል ሞሳ ምሃብ ፅቡቕ እዩ!

ፍትሒ እንትጎድል ንምንቃፍን መአረምታ ክግበርን ዝሓተተ ኣካል መንገዲ ፍትሒ እንትጅመር ሞሳ ምሃብ እውን ግቡእ ይኸውን።
“ናይ ባዕልና ስለዝኾነ ንምንታይ ሞሳ ንህብ” ዝብል ክህሉ ይኸውን እዩ። ናይ ባዕልና ከሕደገና ንዝፈተነ ኣካል ብትሪ ከምዝተቓወምናን ከምዝነቐፍናን ኩሉ ናይ ባዕልና ትሕዝቶ ከይንሕደግ ንዝሓገዘ ኣካል ድማ ይበል ንብል።

ሕቶታትና ብዝግባእ ክሳዕ ዝምለሱ ከዓ ከም ህዝቢ ሕጋውን ሰላማውን ቃልስና ዝያዳ ኣጠናኽርና ከንቕፅል ይግባእ።

30/01/2026

ሰላም!

ንባዕለይ ካብ ሚድያ ኣርሒቐ ነይረ እየ፤ ኩነታት ትግራይ ብጣዕሚ መሰከፊ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ብምርዳእ እንተጠቐመ ብዝብል እየ እዚ ሓሳብ ከቕርብ ወሲነ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣመና ሕማቕ ዝበሃል ናብራ ክደፍእ ከምዝተገደደ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ፀገማቱ እውን ካብ ማዕልቲ ናብ ማዕልቲ ክቃለሉ እናተገብኦም ሕዚ እውን ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዮም ዘምርሑ ዘለዉ።

ከም ህዝቢ ፀገማትና ብኣፈሙዝ ካብ ምእላይ ተናጊፍና ብናይ ሓሳብ ልዕልና እንፈትሐሉ ምዕሩይ ኩነታት ክንፈጥር እንተዘይክእልና መፃኢ ዕድል ትግራይ ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተራ ዘረባ ከይመስል ናይ ቀረባ እዋን 4 (ኣርባዕተ) ታሪኻዊ መዋእላት ከም መርኣዩ ክጥቀም እየ።

1) ብዙሕ ርሑቕ ከይኸድኩ ፈለማ ኩናት ዓድዋ ክፀርሕ። ኣብዚ ኩናት ኢትዮጵያ ስዒራ። ከም ውፂኢት ግን ትግራይ ትገርኚ ኣብ ክልተ ክግማዕ ተገይሩ። ፖለቲካን ጂኦግራፍን ትግራይ ቅድሚ እቲ ኩናት ካብ ዝነበረሉ ኣዝዩ ክንእስ ተገይሩ።

2) 1983ዓ.ም ብህወሓት-ኢህወዴግ ዝምራሕ ሓይሊ ንደርግ ስዒሩ ኣዲስ ኣበባ ተቖፃፂሩ። ከም ውፅኢት ግን ትግራይ ብምብራቕ፣ ብደቡብን ብምዕራብን ክትቆራረሰን ካብቲ ቅድሚ 1983ዓ.ም ዝነበረቶ ዝያዳ ዝንኣሰት ክትኾንን ተገይራ።

3) ኣብ 1990ዓ.ም ዝተጀመረ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ እውን መን ስዓረ ዝብል ንግዜኡ ገዲፈ ከም ውፂኢት ግን እዚ እውን ንትግራይ ዘጠናኽር ኣይነበረን። ፖለቲካዊ ሳዕቤኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ውሳነታት እውን ንትግራይ ዝጎድኡ እዮም ነይሮም፤ እዚ ሓደጋ ድሕሪ ግዜ ክፍንጅር ዝኽእል ፈንጂ ኮይኑ ክሳዕ ሕዚ ይቕፅል ኣሎ።

4) ናይ 2013ዓ.ም ኩናት ትግራይ እውን ድሕሪ ብዙሕ ደም ምፍሳስ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ተፃብኦታት ደው ክብሉን ትግራይ (ብውሕዱ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘላ ትግራይ) ኣንፃራዊ ሰላም ክትረክብን ዋላ እንተኽኣለት ብውፅኢት ግን እዚ እውን ብመሰረቱ ትግራይ ትሕቲ 2012ዓ.ም ዝገብር እዩ ኮይኑ። ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሑ ብዙሓት ውራያት ምህላዎም ሓቂ ኮይኑ እዚኦም እውን ግን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝእዝዞ መሰረት ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብልዝብ እምበር ብሓይሊ ክትፈትሕ ምፍታን ውፅኢቱ ንትግራይ ዝጠቅም ኣይኾንን።

ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ካልእ ዓይነት ኩናት እንተተኸፊቱ እቲ ውፅኢት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምግማቱን ንምእማቱን ብዙሕ ዘፀግም ኣይመስለንን። ትግራይ ተወሳኺ ክሳራ ክመፅኣ እንተዘይኮይኑ ትርብሓሉ ነገር ኣይርኣየንን ዘሎ።

ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ታሪኻዊ መዋእላት እንርድኦ ቁም ነገር እውን ትግራይ ስዒራን ተሳዒራን ውፅኢቱ ሓደ ዓይነት ምንባሩ እዩ፤ ኩሉ ግዜ እናከሰረት እያ መፂኣ። ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ስሕተት ካብ ምፍፃምን ነቲ ኣዝዩ ዝተሃስየን ተወሳኺ ሸኽሚ ክፃወር ዘይኽእልን እንግድዓ ትግራይ ካልእ ዓይነት ፃውራ ካብ ምዕዳም ነገራት ብዝሰኸነ መንገዲ ብሰላማዊ ኣገባብ ፍታሕ ንክመፅእ ዝተወደበ ዓቕሚ ምዕራፍ ክቕድም ይግባእ።

ብፍላይ ወድባት ፖለቲካ፣ መናእሰይ፣ ልሂቃንን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ነዚ ኩነታት ብዝግባ ክትርድእዎ ዘለኩም ይመስለኒ። እንተዘይኮይኑ ግን ዕድል ትግራይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ምናልባሽ እውን ተናስሕኻ ንምምላሱ ዝያዳ ዝኸብድን ክኸውን ይኽእል እዩ።

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Culinary Team

Attire

Website

Address


9009 Weatherly Way, Lorton, VA
Mekelle
22079