Mekelle View
This page always provides you accurate and uptodate information!
08/05/2026
ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈጠረ ኩነታት ሰዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ጉድኣትን ንምትራፍ፣ እቲ ሽግር ብናይ ተጋሩ ልዝብን ሓበራዊ ምርድዳእን ክፍታሕ ንዝቐረበ ፃውዒት ንጎኒ ብምግዳፍ፣ ተመሪፀ እየ ዝብል ኣካል ሎሚ ሚያዝያ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ፀጥታ ኣካላት ሓለዋ ተገይርሎም፣ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ካቢኔ ኣኼባ ጀሚሮም ኣለው። እዙይ ከዓ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለዝኾነ፣ በዙይ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ፣ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጉልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ ይደሊ።
ታደሰ ወረደ (ሌጀ)
ፕረዚደንንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ሚያዝያ 30/2018
መቐለ
29/04/2026
" ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበልዎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ሚያዝያ 21/2018 ዓ/ም ምስ ሪእዮት ሚዲያ ኣብ ዝገብርዎ ፃንሒት እዩ። እቲ ውሳነ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደገኛ ውፅኢት ዘመላኸቱ እንትኾን ይኹን እምበር እቲ ውሳነ መንግስቲ ፌደራል ጣልቃ ንክኣትው እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ ኣሎ ኢለ ናብ መንግስቲ ፌድራል ፃውዒት ኣይገብርን፣ ዝሓተተኒ ኣካል እውን የለን ኢሎም ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ምክፍፋላት ተፈጢሮም እዮም። ብዚ ምኽንያት እዚ ብዙሕ ሓሳብ ዘለዎ ዝተገለለ ትግራዋይ ከመይ ኣኪብና ትግራይ ናብ ዝሐሸ መንገዲ ነሰጋግራ፣ ከመይ ዝሐሹ ኣመራፅታትጰንርአ እዩ ዘተሓሳስበኒ ኢሎም ኣለዉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ።
እቲ ጉዳይ ናተይ ስልጣን ተናዊሕልካ እዩ ወይ ድማ ኣይትቕፅልን ኣይኮነን። እቲ ዋና ዛዕባ ከመይ ገይርና ካብቲ ነባር ቤት ምኽሪ ይመለስ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቂዑ ትግራይ ናብ ንቡር ቀፃሊ መረፃ ነሰጋግራ እዩ ክኾን ዘለዎ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ውጥጥ ውልቃዊ ጉዳይ ዘይኮነስ ዝተሓላለኸ ናይ ትግራይ ዛዕባ ናብ ሕጋውነት መረፃ ምምችቻው ምግባር እዩ ኢሎም።
ብምቁራፅ ነዳድን በጀትን ኣብ ዘለሉ ኩነታት ኮይኖም ብዙሕ ፈተናታት እናሓለፉ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይመርሑ ከም ዘለዉ ዘገለፁ እቶም ፕረዚደንት እቲ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብዘይ ደመወዝ ንዝኸፍሎ ዘሎ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለዉ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ሚያዝያ 21/2018 ዓ/ም
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Addis Ababa