Elshadai ERDA

Elshadai ERDA

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Elshadai ERDA, Non-Governmental Organization (NGO), Addis Ababa.

20/03/2026

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና፣
እንኳዕ ንመበል 1447 ዓመተ-ሂጅራ በዓል ዒድ አል ፈጥር፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም።
ዒድ ሙባረክ!

“ንመፃኢ ወለዶ ልምዓት እምበር ለመና ኣይነውርስን”

Photos from Elshadai ERDA's post 09/03/2026

መጠቓለሊ ቀዳማይ ሴሚስተር ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኤልሻዳይ ቃላሚኖ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተዛዚሙ።

መጠቓለሊ ቀዳማይ ሴሚስተር ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኤልሻዳይ ቃላሚኖ ለካቲት 29/2018 ዓ.ም መድረኽ ብዓል ወለዲ፣ ንብሉፃት ተምሃሮ ሽልማትን ነፃ ዕድል ትምህርትን ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ህልውን መፃእን ኩነታት ቤት ትምህርቲ ኤልሻዳይ ምስ ወለዲ ተምሃሮ ሃናፃይን ውፅኢታውን ምይይጥ ተኻይዱ።

መስራትን ዋና ዳይሬክተርን ኤልሻዳይ ኣቶ የማነ ወ/ማርያም ኣብ’ቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መወዳእታ ወለዲ ካብ ፍርያት ሕርሻ ኤልሻዳይ ቃላሚኖ ዝተረኸቡ ኣሕምልቲ ገደና ብዝቐነሰ ዋጋ ቀሪቡሎም።

ኤልሻዳይ ቃላሚኖ ብፅሬት ትምህርቲ፣ ብማእኸል መርኣያ ስራሕቲ መስኖን ሕርሻን፣ ብማእኸል መሐብሐቢ ጠዋሪ ዘይብሎም ወገናት፣ ብማእኸል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኮይኑ ዘገልገለን የገልግል ዘሎን ሓደ ማእኸል ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን እዩ።



“ንመፃኢ ወለዶ ልምዓት እምበር፣ ለመና ኣይነውርስን።”

19/01/2026

ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት አሶሴሽን ለመላው የክርስትና እምነት ተከታዮች እንኳን ለጥምቀት በዓል በሰላም አደረሳችሁ እያለ፤ በዓሉ የሰላም ፣የፍቅር እና የመተሳሰብ እንዲሆን መልካም ምኞቱን ይገልፃል።

Photos from Elshadai ERDA's post 24/11/2025

"ድሕንነትን መሰል ምፅዋትን ንኹሎም ህፃናት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፣ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህፃናት ብድምቀት ተኸቢሩ።
ከም ዝፍለጥ መሰል ህፃናት ብሕቡራት መንግስታት ዝፀደቐሉ ሕዳር 11 ኾይኑ ብብርኪ ዓለም ንመበል 36 ግዘ ብብርኪ ሃገር ና ንመበል 20 ግዘ ዝኽበር ዘሎ ዓለም ለኽ መዓልቲ ህፃናት እንትከውን ኣብ ትካልና ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን እውን መሰል ህፃናት ነቲ በዓል ብዝተፈላለየ ምድላዋት፤ ብስፐርታዊ ውድድር፤ ታሪካዊ ቦታ ዑደት ብምግባር ከምኡ ውን ብፓናል ምይይጥን ካልኦት ምድላዋትን ተኽቢሩ ።

ኣብቲ ፓናል ምይይጥ ዝተረኸቡ ላዕለወት ኣማራርሓ ኣልሻዳይይን ክቡር ዕዱም ጋሻ ኣይተ ገ/ስላሰ ታረቀ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግራይ ኮይኖም እቲ ዝነበረ ፓናል ብዝላዓለ ድምቀት ከም ዝተኸበረ ወ/ሮ ሽሻይ ገ/መስቀል ዳይሬክተር ኤልሻዳይ ቃላሚኖ ህፃናት መንደር ገሊፀን ።

Want your organization to be the top-listed Non Profit Organization in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Address


Addis Ababa