HAS Technology Solutions

HAS Technology Solutions

Share

Excelling your Digital Environment !!

17/02/2025

ንምምላእ ኣምስ ተይኸፈልኹም ብቐሊል መንገዲ ብሞባይልኹም ኣብ 5ደቒቓ ምምላእ ትኽእሉ ኢኹም ፡፡
ለድልዩ ነገራት:-
✅ግዝያዊ መታውቅያ (ናይ 3ወርሒ ካብ ቀበሌ እትወሃብ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ልብል ማሕተም ለለዋ)
✅ናይ ልደት ሰርተፊኬት ካብ ወሳኒ ኩነት ምስኣውፃእኹም ኣውተንትኬት ተግብርዎ(ላብ ክልል ፍትሒ ቢሮ ኸይድኻ ብቕድሚትይ ድሕሪትይ ማሕተም ምውቃዕ ማለት እዩ ! ኣድራሻ መቐለ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ፊትለፊት ለሎ ነዊሕ ፎቕ ኣብ ኻልኦት ከተማታትለ ብተመሳሳሊ..
✅ኽልቲኤን ስካን ገይርኹም ሀምፎቶ (jpg) ኣብ ስልክኹም ብምሓዝ ናብዙ ዌብሳይት ብምእታው ናይ ግሊ ኢንፎርሜሽንኹም(ስም ዕድመ ወዘተ) ምምላእ እዩ ::
✅ኣብዙ ዌብሳይት 123.. ናበለ step by step ናብ ቐፃሊ ገፅ ከሕልፈኩም እዩ ስቲፐን ደሞ:-
📌ገፅ 1 - start new pasport Application
📌ገፅ 2- I agree to the terms and conditions✅ ብልገበርኹም start individual appointment ትነኽኡ
📌ገፅ3 - new passport appointment
📌ገፅ4- select site selection ኣቲኹም ትግራይ መቐለ ልብል ትነኽኡ እሽካብ ታሕቱ ኒሆ እዩ ..ድሕሪኡ Next ትብሉዎ
📌ገፅ 5 -ክፍቲ ለሎ ናይቖፀሮ መዓልቲ ብዕለት ገይሩ ከምፅኧልኹም ካብዘን ብቖፃል ለለዋ ዕለት ሓንቲ መሪፅኹም ሰዓት ኣብትሕቲኡ ኒሆ መሪፅሑም next ትብሉ
📌ገፅ 6- ኣብዚ ለለኩም ናግሊ information ብጥንቃቔ ትመልኡ ስም/ዕድመ/ትውልዲ ቦታ ገለታት ብደምቢ ትመልኡ then next ..
📌ገፅ 7- ዙ ስካን ልገበርኹምዎ መታወቅያ & ልደት ሰርተፍኬት upload ትገብሩ ናይባዕሉ ቦታ ኒሄዎ ልተዘጋጀየ..
📌ገፅ 8- ኹሉ ሓበሬታኹም ትኽክል ምኻኑ ደጋጊምኹም ቼክ ግበሩ ንስተኻኸል ኣስተኻሉ ድሕሪ ዙ ገፅ ምስትኽኻል የለይ ፡፡ ርግፀኛ ሞስኾንኹም ✅confirm ልብል ትነኽኡ (Nb: ካብዙ ገፅ ጀሚሩ ልመፀልኹም ነገራት screenshots ናገበርኹም ሓዙ)
📌ገፅ 9- ኹል ወዲእኹም 5000 ቕርሺ እትኸፍልሉ step በፂሕኹም ማለት እዩ ኣማራጭ ክህበኩም እዩ cbe mobile banking /ቴሌብር/ወይም ለለ ብኣካል ናብ ባንኪ ብምኻድ ትኸፍሉ ፡፡( ናብ ስልክኹም ካብ 7876 sms ክስደልኹም እዩ order id ኢሉ ..... ልትኸፍልሉ Code ማለት እዩ :: ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ግዴታ ክትኸፍሉ ኒሄኩም እንድሕር ኣታዊ ለየገበርኹም expired ይገብርሎ ዙንመላእኹምዎ ድጋሜ ትመሉ ማለት እዩ ፡፡ ኣብዚ ግን ቕድሚ ክፍያ ምፍፃምኹም 2 ግዜ ልኾን ተለማመዱዎ፡፡
ወሳኒት ነገር ክትርሳዕ ለይብላ Application number እትበሃል ኢላ እትጅምር 14ዲጂት ለለዎ ቑፅሪ ሓዙዎ እሳ ማለት ናይኹም ናይ በይንኹም መፍለይቲ id እያ ፡፡
📌ገፅ 10- ክፍያ ብልወዳእኹም sms ክኣትየኩም እዩ ድሕሪኡ ናፍቱ ናመጀመርያ ገፅ ተመሊስኹም Check passport status እትብል ትመርፁም ዛ application numbr ኢላ እትጅምር ተእትውዋ ናብ ቐፃሊ ገፅ ከሕልፈኩም እዩ view👁 ወይም ናይ ዓይኒ ምልክት ትነኽኡ ቱዝርዝር ንመላእኹምዋ + ናይባንኪ ሀምልኸፈልኹም ለሪኢ ናመጨረኻ ናቖፀሮ ወረቀትኹም እሳ ትኾንላ ማለት እዩ : ኣብ ታሕቲ ዛወረቀት ናይ QR scan ዝግበር ለለዋ ምኻኑ ኣረጋግፁ) ድሕሪኡ ኣብ ላዕሊ Print እትብል ነኺእኹም save as PDF ትብልዋሞ ኣብ ስልክኹም Save ይኾን ድሕሪእ ኣብዳ ፕሪንት ኸይድኹም ዛወረቀት print ገይርኹም ኣብ ቖፀሮ መዓልቲ ከየሕለፍኹም ምኻድ ተወዲኣ፡፡
Link 👇
https://www.ethiopianpassportservices.gov.et/

pillar

Want your business to be the top-listed Business in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Website

Address


Mekelle/Tigray
Mekelle