Saba Media Network
GGM is a media institution established in April 2015 and it is managed by Saba Media Network plc
05/12/2023
#ወርርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ትግራይ እንተይወፁ ሪፈረንደም ዘይሕሰብ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር_ኤርቪን_ጆዜ_ማሲንጋ ንዝተመርሐ ጉጅለ ገሊፆም!
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለፁ ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር_ኤርቪን_ጆዜ_ማሲንጋ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ 25 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተራኺቦም ዘተዮም።
ጠመተ እቲ ዘተ ኣብ ዓለም ለኻዊ፣ ዞባዊን ክልላውን ፀጥታን ሰብኣዊ ጉዳያትን ዝዘተዩ እንትኾኑ ብፍላይ ወርርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ትግራይ እንተይወፁ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና እንተይተመለሰን ሪፈረንደም ዘይሕሰብ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነቲ ልዑኽ ገሊፆም እዮም።
ኣብቲ ዘተ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብመሰረት ሕገ_መንግስቲ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ፣
መንግስቲ ፌደራል ዕጥቂ ንምውራድ ካብ ምጉያይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝግባእ እግሪ መትከሊ ረኺቦም ናብ ሕብረተሰቦም ክፅንበሩ ትፅቢት ዝተገበረሎም ተቐነስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ፀገም ዛጊድ ስለዘይተተግበረ ብቕልጡፍ ክትግበር፣
መንግስቲ ፌደራል ከም ቅዋም ዝሓዞ ወርርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ሓድነት ከይወፁን ግዚያዊ ምምሕዳር መሓውሩ ከይተመሰን ምምላስ ተመዛበልትን ምክያድ ሪፈረንደምን ኣብ ስቃይ ንዘሎ ህዝብና ናብ ወረርቱ ኣሕሊፍካ ምሃብ ናብ ተወሳኺ ስቃይን መከራን ምእታው ስለዝኾነ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉን መረፃ ተኻይዱ ሕጋዊ መንግስቲ ምስ ተጣየሸን ክትግበር ከምዘለዎ ዘተዮም እዮም።
ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ንክወፁ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ብዘይምውፅኡ ሐዚ’ውን እንተኾነ በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ህዝብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ፣
ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ መነባብርኡ ክመርሕ ዝግበኦ ብሚልዮን ዝቑፀር ተመዛባሊ ህዝቢ ፀገማቱ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ከምዘሎን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቅን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ተሓዊስዎ እቲ ኲናት ዘብፀሖ በሰላ ህዝብና ንሓደጋ ጥምየትን ሞት ተሳጢሑ ከምዘሎ እውን ምስቲ ጉጅለ ሰፊሕ ዘተ ተገይርሉ እዩ።
ብሓፈሻ ህዝብና መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ኣብ ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ድጋፍ ህዝብን መንግስትን ኣሜሪካ ወሳኒ ከምዝኾነን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳያትን መብርሂ ተዋሂቡ እዩ ፡፡
ኣብ መወዳእታ ነቲ መብርሂ ዝተኸታተሉ ኣምባሳደር ኤርቪን ጆዜ ማሲንጋ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላን ንዝተወሃቦም ዝርዝር መብርህን ብምምስጋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልውላው ዘደቅስ ስለዘይኮነ ግዘ ክህብዎ ከምዘይደልዩን ኣባላት እቶም ኣምባሳደር ጊፆም እዮም።
መንግስቶም ትግባረ እማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ብዕቱብ ከምዝከታተሎን ንተግባራዊቱ ከምዝሰርሕን ብምብራህ መንግስትን ህዝብን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቶም ኣድላዪ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብርን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳርን ህዝብን ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ቃል ኣትዮም እዮም።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Mekelle
7000