Tigray Intercept

Tigray Intercept

Share

Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Intercept, Event Planner, Mekelle.

Photos from Tigray Intercept's post 29/11/2025

ንሕዳር ፅዮን ኣክሱም መፂኹም ክትህውፅዎም ዘለኩም መስሕባት ቱሪዝም ገሊኦም:-
1. #ዝቆሙን ዝወደቑን ዝተፈላለየ ቅርፅታት ዘለዎም ካብ ሓደ እምኒ ዝተሰርሑ ሓወልትታትን
2. #ሙዜምን መቓብር ነገስታት (ቀዳማዊ ሚኒሊክ፣ ንጉስ ባዜን፣ ንጉስ ሮምሃ፣ ሃፀይ ካሌብ፣ ንጉስ ኢትዮጲስ፣
3. #ኣብ ደብረ ማክዳ ወይ ጎቦ ቤተ ጊዮርጊስ ዝርከቡ ልዕሊ 3000 መቃብራትን ካልኦትን)፣
4. #ናይ እምኒ ፅሑፋት ንጉስ ኤዛናን ካልኦትን፣
5. #ጥንታዊ ፍርስራስ ኣብያተ መንግስቲ (ንግስተ ሳባ፣ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ካልኦትን)፣
6. #ጥንታዊ ህልውን ፍርስራስ ኣብያተ ክርስትያናትን (ማርያም ፅዮን ቤተ ክርስትያን፣
7. #ፍራስ 12 ቤተ መቅደስ ዝነበሮ ብኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ነገስታተ ዓለም ዝተሰርሐ ቤተ ክርስትያን፣
8. #ፍራስ ኣርባእቱ እንስሳ ቤተ ክርስትያን፣ ፍራስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስትያን፣
9. #ንመጀመርያ ግዜ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝተዓፅወ ቤተ ክርስትያን ኣባ ሊባንኖስ ካልኦትን)
10. #ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ዝርከብ ጥንታዊ ቅሪታት ዝሓዘ ሙዜም፣
11. #ኣብ ቀፅሪ ፅዮን ዝርከብ ጥንታዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውም ሓድግታት ዝሓዘ ሙዜም፣
12. #ኣብ ኣኽሱማዊት ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ዝርከብ ባህሊ ኣኽሱም ዘርኢ ሙዜም፣
13. #ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ዝርከቡ ሙዜማት) ፣
14. #ማይ ኪራሕን ሙራደ ቃልን ንቅዱስ ያሬድ መንፈስ ቅዱስ ፍልጠት ዝመገበሉን ዝወረደሉን ቦታ፣
15. #ቤተ ቀጢን ተስዓቱ ቅዱሳን መጀመርያ መፅዮም ዝዓረፍሉን ነዊሕ እዋን ዝነበሩሉን ቦታ፣
16 #ፀበላት (ዝስተዩ ፀበላት ካብ ዝነብዕ መስቀል ዝወፅእ ድልቢ፣ ንሕማም ጨጎራን ካልኦት ረኽስታትን ዝፍውስ ኣብ ጎዲፍ ማርያም ናብ ሙራደ ቃል መውፅኢ ዝርከብ ፀበል፣ ማይ ፀሎት ኣባ ሊባኖስ፣ ኣቡነ ጴንጤሌዎን ማይ ሩባ፣ ኣባ ሊቃኖስ፣ ማይ ኮሖ ዝርከብ ማይ ፀሎት ኪዳነ ምህረትን ፣
17. #ኣብ ቀፅሪ እንዳ ፅዮን ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቅዱስ ያሬድ ዝባረኾ ናይ ውግኣት፣ ቁርፀት፣ ሕማም ከብዲ፣ ሕማም ሑቀ እናተደረዝካ ዝፍውስን ካልኦትን) ፣
18. #መኬደ እግዚእ ናይ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ንኣኽሱም ሓመድ ንምንስናስ እንትመፅ ዝተረፈ ቅርፂ ርጋፅ እግሪ ዘለዎ፣
19. #ሱሑይ ወርቂ ኣብ ማይ ኮሖ (ቤተ ዮሃንስ) ዝርከብ ካብ ሰማይ ንኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ነገስታተ ዓለም ቤተ ክርስትያን ክሰርሑ ሸውዓተ ማዓልትን ሸውዓተ ለይትን ወርቅን ዑንቅን ካብ ሰማይ ዝዘነበሉ ቅዱስ ቦታ፣
20. #ኣብ ፅንዓት ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታት (እንዳ ሚካኤል፣ ተኽኣ ማርያም፣ እንዳ ስምኦንን ካልኦትን)፣ መስቀል ኣቡነ ሰላማ፣ ምስጣሕ ወርቂ
21. #ዛግዱር (ፅዑቕ ዱር) ፅላተ ሙሴ መፅያ መጀመርያ ዝዓረፈትሉ ቦታ ወዘተ... ዘይተጠቐሰ ወስኽሉ............ እዚኦምን ካልኦት ዘይተጠቐሱ ታሪኻትን ሓቚፋ እትርከብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን፣ መሰረት ሃይማኖትን ጥበብን ዝኾነት ከተማ እያ። ሰናይ ቕንያት ሕዳር ፅዮን 2018 ዓ/ም!!
© TIGRAY INTETCEPT.

29/10/2025

እዚ ኣብ ምስሊ ዝረአ ዘሎ ድንቂ ስፍራ መቓብር ኣቡነ ሰለማ ከሳቴ ብርሃን ፈላማይ ጳጳስ ኢ/ያ እዩ። ኣብ ተምቤን ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ፣ ጣብያ ገፅኪ ምለስለይ፣ ኣብ ገዳም እንዳ ኣባ ሰላማ ይርከብ።
❤💛
!



's_promote_Tigrai
Teklish Fiyameta
19-02-2018 ዓ/ም
#መቐለ

26/09/2025

ታሪኽ ፈረስ ትሮይን ህወሓትን
(TPLF as Trojan horse of Eritrea's Shabia)
==========
ደቂ ግሪክ ነታ ትሮይ ትባሃል ብሓያል ዱፋእ ዝተሃነፀት ከተማ ብኹናት ክስዕሩ ብዙሕ ጊዜ ፈቲኖም ኣይካኣሉን። ሓደ ጊዜ ግን ተንኮል ፍሒሶም። ክንዲ ዓብዪ ህንፃ ዝኸውን ካብ ዕንፀይቲ ዝተቐረፀ ፈረስ ሰሪሖም። ነቱ ፈረስውን በለይቲ እናጎተቱ ኣብ በሪ ትሮይ ገዲፎምዎ ከይዶም። ደቂ ትሮይ ዓበይቲ በሮም ከፊቶም እንተረኣዩስ፣ ኣዝዩ ዝድነቕ፣ ካብ ዕንፅይቲ ዝተሰርሐ ፈረስ ረኺብና ኢሎም ተሓጒሶም እናጎተቱ ናብ ትሮይ ኣእትዮምዎ።

ኣብቱ ውሽጢ ፈረስ ግን ግሪካውያን ወታሃደራት እዮም ነይሮም። ደቂ ትሮይ ብድቅሶም፣ ግሪካውያን ካብቱ ፈረስ ወፂኦም ንትሮይ ዓነውነው ኣቢሎም ተዓወቱ።

ግን እዙ ኣፈ-ታሪክ እዚ፣ ሻዕቢያ ንህወሓት ከም ትሮይ ፈረስ ተጠቒሙ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ገይሩ ዘፈራረሰሉ ናይዚ ዘመንዚ ኣዝዩ ዝድነቕ ሓቐኛ ታሪኽ እዩ። (The Trojan Horse remains a legend of classical mythology; however, the case of the TPLF is not myth but historical reality. Ultra-nationalist Eritreans, presenting themselves as Tigraians, assumed control of the TPLF leadership and subsequently rose to positions of authority in Arat Kilo. In doing so, they played a pivotal role in rendering Ethiopia landlocked, while simultaneously fragmenting the country along ethnic lines. This strategy of divide-and-rule, while serving immediate political objectives, has also planted the seeds of long-term instability—amounting to a potential time bomb for Ethiopia’s future.).

ቕድሚ 20 ዓመት ንላዕሊ፣ ህወሓት ናይ ሻዕቢያ ናይ ትሮይ ፈረስ እዩ እናበልና ንፅሕፍ ኔርና።

ብጊዜ ደርጊ፣ ሻዕቢያ በይኑ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሙ "ሓደ እግሩ መቓብር ኣትዩ ነይሩ"። ደጋጊሙ ፀኒቱ ነይሩ። ግን ሻዕቢያ ከም ግሪካውያን ተበሊፆምልና። ሻዕቢያ ስብሓት ነጋን መለስ ዜናዊን ዝባሃሉ ብስም ተጋሩ፣ ብተግባር ሻዕብያ ዝኾኑ ዕሱባት "ህወሓት" ናይ "ትሮይ ፈረስ" ገይሮም ክመርሑ ገይሩ። በሻሓት ዝቑፀሩ፣ ኣያ ዘይብሎም ዕሽላት ትግራይ ኣብ ሳሐል ደመ ከልብ ኮይኖም፣ ንሻዕቢያ ካብ ሞት ኣትሪፎም፣ ክነግስ ጌሮሞ። ሻዕብያ ኣብ ኣራት ኪሎ ዝነበሩ ኸደምቱ ተጠቒሙ ኤርትራ ሙሉ ቐይሕ ባሕሪ ክትውንን ኽኢላ። ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኢድ ፅንፈኛ ኤርትራዊ ብሄርተኛ መለስ ዜናዊ ምዃና ዘይፈልጥ ትግራዋይ ተሃልዩ ክፈልጥ ዘይደሊ ድንዙዝ ወይ ድማ ተበላፂ ቱ ስርዓት እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ሎምውን ድሕሪዙ ኹሉ ፅንተት ተዘይነቒሕኻ፣ ነዞም "ንኹናት ተዳለው" ዝብሉኻለው ኣዛብእ ሞንጆሪኖ ተቓሊስካ ተዘይኣጥፊእኻዮም፣ ባዕልኻ ንፅንተት ኣሕሊፍካ ምሃብካ ፍለጦ።

24/09/2025

today best pic Rwanda,Kigali .
✅✅✅✅

31/08/2025

ገዳም እንዳባ ዮሃኒ ተምቤን ።
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

30/08/2025

ማርያም ኹሓ ና ቐደም ምስሊ🙏

29/08/2025

ንጉሰ ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጽዮን ማርያም ኣክሱም ። 🙏🙏🙏🙏🙏🙏

01/08/2025

ይኣክል ኲናት ክበሃል ዝግበኦ ንስርዓት ብልፅግና እዩ!
============
ንኲናት ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፅየፍ የለን። ህዝቢ ትግራይ ተገዲዱ እምበር ብሂጉ ዝኣትዎ ኲናት የለን። ህዝቢ ትግራይ በቢእዋኑ ኣንፃር ህልውንኡ ንዝለዓሉ ወራራት ክምክት እዩ ናብ ኲናት ዝኣቱ። እቲ ሓቂ እዚ እዩ። ስርዓታት ኢ/ያ ግን ነዚ ሓቂ ብምግልባጥ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምክልኻል ዝኣትዎ ኲናት ከም ‘ጦረኛ’ ጌሮም የቕርብዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ስርዓት ብልፅግና 40 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ወሪሩ ንኻሊእ ጥፍኣት ንዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብትግራይ ንምስባብ ኣብ ሰፊሕ ወፍሪ ፕሮፓጋንዳ ተፀሚዱ ይርከብ።
ካብቶም ፕሮፓጋንድኡ ዘስርፀሎም ዘሎ ድማ ሓደ ቲክቶክ እዩ። ኣጀንዳ ዝተውሃቦም ቲክቶኮራት ኢትዮጵያ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምድላው ኲናት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ዝትርኽ ትሕዝቶ ሒዞም ይሰርሑ ኣለው። ተጋሩ ቲክቶከራት ድማ ገለ ብዘይምርዳእ ገለ ድማ ንመአከቢ ላይክን ሸርን ኣብዚ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳ ኣትዮም ኣለው።
ኲናት ክንቃወም ኣለና። ክንቃወሞ ዝግባእ ነቲ መንቀሊ ኲናት እዩ። ትማሊ ጀኖሳይድ ዝኣወጀልና ስርዓት ብልፅግና እዩ። ሎሚ እውን ኣርብዓ መሬትና ወሪሩ ንዳግም ኲናት ዝህንደድ ዘሎ ንሱ እዩ። ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ለይትን ክረምትን ብጥሜትን ሕማምን ይሞት ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነብር ህዝብና በቢዕለቱ ይቕተል ኣሎ። እዚ እናኾነ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ሞት ይኣኽለኒ እናበለ ብሰላም እዩ ዝምሕፀን ዘሎ።
ስለዚ ይኣክል ኲናት ክበሃል ዝግበኦ ንስርዓት ብልፅግና እዩ። ዘለኩም ዓቕሚ ንምምላስ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ክትጥቀምሉ ይግባእ። ድምፂ ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብኹም፣ ኣብ ስደትን ማእኸላት መዕቖብን ዝፀንት ዘሎ ህዝብኹም ክትኮኑ ይግባእ እምበር ኣብ መፃወድያ ፕሮፓጋንዳ ፀላኢ ኣቲኹም መሳርሒ ድሌት ኲናት ኣብዪ ክትኮኑ ኣይግባእን።

Want your business to be the top-listed Event Planning Service in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Website

Address


Mekelle