Tigray Daily
Tigrai is ሃገረይ። It critically criticises the political practice of Ethiopia and Tigray!
15/06/2026
ምርግጋፅ ሉኣላውነትና ቁልፊ ትኹረትና ጌርና ግዕዝይና ብምቅላስ ንህዝብና ስሉጥ፣ ሕጋውን ፍትሓውን ግልጋሎት ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ብ/ክ/መ/ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ነዚ ዝገለፁ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን ቀፀልቲ መደባቱ መሰረት ጌሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት የካይዶ ኣብ ዘሎ መድረኽ ምልዕዓል'ዩ።
ብኲናት ዝዓነዋ ከተማታት ትግራይ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ'ውን እንተኾነ ዳግመ ሕውየተን ዘይተረጋገፀሉ፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓ ዝተስፋፍሐሉ፣ ውሱናት ኣካላት ከምድላዮም ዝኾኑሉ ህዝቢ ዝሳቐየሉ ከይዲ ምህላው ብምምልኻት ኣብ መዛዘሚ በጀት ዓመት 2018 መጀመሪ 2019 ዓ/ም ኮይንካ'ውን ሓፂር ትልሚ ብምውፃእ ብሓዱሽ መንፈስ ስራሕቲ ምውጋን ከምዘድሊ ገሊፆም።
ኣብ ሓደጋ ህልውና ድሕንነትን ኣለና ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ከም መንግስቲ ምርግጋፅ ሉኣላውነትና ቁልፊ ትኹረትና ጌርና ግዕዝይና ኣብ ምቅላስ በብዓውዱ ንህዝብና ስሉጥ፣ ሕጋውን ፍትሓውን ግልጋሎት ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም።
ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምቁፅፃርን ስርዓት ኣብ ምትሓዝን ኩሉ ክረባረበሉ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ለውጢ ኣምፂእና ኣወሃህባ ግልጋሎትና ንህዝቢ ብዝጠቅም መንገዲ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።
እዚ ፈታኒ ግዘ ተሓጋጊዝና ፀገምና እነቃልለሉ ዓርሰ-ምርኮሳና ኣበሪኽና እንሰግረሉ፣ ውሽጣውን ግዳማውን ዕንቅፋታት በዲህና ዝተለመደ ኣሰራርሓ ቀይርና ግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተቓሊስና ሃፍትናን ንብረትናን እንጥቀመሉ መኸተና እነዐውተሉ ፣ ናብ ሕግን ስርዓትን እንኣትወሉ ግዘ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን- ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ብወገኖም ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን መደባት ብምውፃእ ናብ ተግባር ንምስግጋር ዝዓለመ መለዓዓሊ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም።
14/06/2026
ኣብ ትግራይ ዝርከብ መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃያ ብኣግባቡ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ማሕበራዊ መነባብርኡ፣ ህልዊ ኩነታቱ ተጎሳቒሉ፤ ናይ ግልጋሎት ክፍሊቱ፣ ናይ ክራይ ገዛ ወፃኢኡ፣ ናይ ተምሃሮ ክፍሊቱ ወዘተ ክሽን ኣይከኣለን።
ሂወቱ ተጎሳቒሉ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ። መፃኢ ዕድሉ እውን ፀልሚትዎ ኣሎ። ነዚ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታዊ ንሽግራቱ ዝፈትሐሉ ኣካል ብዘይምህላው ድማ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ገይርዎ ይርከብ።
ሰራሕተኛ መንግስቲ ማለት ካብታ ብዝተምሃራ መሰረት ሞያዊ ግልጋሎት ምሃብ ወፃኢ ኣብ ንግዲ ይኹን ሕርሻ ክነጥፍ ዘይከኣለ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። ነዚ ኣዝዩ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎን ካብኡ ዝፅበ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝሓዘን ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃይኡ ብግዚኡን ብኣግባቡን ክወሃብ ይግባእ።
11/06/2026
ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኦሊሰጎን ኦቫሳንጆ ምስ ፕረዚደንት ትግራይ ዶር ደብረፅዮን ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያ ትኹረት ገይሮም ዘትዮም።
ብምርብራብ ህዝቢ ኣብ ደኒ ዴስኣ ኣጋጢሙ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ንግዚኡ ምጥፍኡ ተፈሊጡ ኣሎ🙏
10/06/2026
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝርከብ ዝለዓለ ደኒ ዴስኣ ሎሚ 03 ሰነ 2018 ዓም ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠሞ ይንገር ኣሎ። ነቲ ሓደጋ ንምጥፋእ ነበሪ እቲ ከባቢ ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the public figure
Telephone
Website
Address
Mekelle