VOA Tigrigna
ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ መዓልታዊ ናይ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ የቕርብ።
03/14/2025
➡ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝተፈጥረ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ በቲ ኩነታት ዘለዎ ሻቅሎት ሎሚ ዓርቢ 14 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ኣድላይነት ብትሪ ብምስማር ኩሎም ወገናት ካብ ተዃታኺ ምንቅስቓስ ክቑጠቡን ኣብ ሃናጺ ልዝብ ክጽመዱን ጸዊዑ።
https://bit.ly/3DUNgHQ
03/14/2025
🇪🇷🇪🇹➡ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ዝዀነት ጂን ሻሂን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘለዋ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ እቲ ወጥሪ ብልዝብን ዲፕሎማሲን ክዓርፍ ጸዊዓ። “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕጂ ዝፍጠር ግጭት ንተወሳኺ ዞባዊ ቅልውላው ዝመርሕ’ዩ፡” ዝበለት እታ ኣባል ሰነት ኣመሪካ፡ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዘለዋ ድጋፍ’ውን ጠቒሳ።
https://bit.ly/4bP2eM4
03/13/2025
🇷🇺🇺🇦➡ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ዩክሬን ክርሶን ብዘካየድዎ ደብዳባት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ሰበ-ስልጣን ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም።
ኣመሓዳሪ ክርሶን ኦለክሳንደር ፕሮኩዲን ከባቢኦም ብድሮናትን ተወንጨፍቲን ሩስያ ከምዝተሃርመን ሓደ ካልእ ሰብ ከኣ ምቁሳሉን ብቴለግራም ገሊፆም።ኣመሓዳሪ ዲፕሮፐትሮቪሲክ ሸርሂይ ልይሳክ ብወገኖም ኣብ ከተማ ዲንፖር ብመጥቃዕቲ ሩስያ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ሆስፒታል ምእታዎም ኣፍሊጦም። ሓያለ ህንፃታት በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝወረዱም ወሲኾም ገሊፆም።
ሩስያ ኣብ ግዝኣታት ዩክሬን ደብዳብ ምክያዳ ተገሊጹ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ዩክሬን ክርሶን ብዘካየድዎ ደብዳባት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ሰበ-ስልጣን ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም። ኣመሓዳሪ ክርሶን ኦለክሳንደር ፕሮኩዲን ከ....
Click here to claim your Sponsored Listing.
ድምጺ ኣሜሪካ
ድምጺ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ዜና ኮይኑ፡ ፈነውኡ ነቶም ውሱን ወይ’ውን ፍጹም ነጻ ፕረስ ዘይብሎም ከባቢታት ብ45 ቋንቋታት የመሓላልፍ። ኣብ 1942 ዓ.ም ዝተመስረተ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ሰፊሕን ነጻን ሸፈነ ይህብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ነታ ዘላ ሓቂ ይነግር።ድምጺ ኣሜሪካ አካል ናይ ኣሜሪካ ኤጄንሲ ዓለምለኻዊ ሜድያ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኣሜሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ዝምወል’ዩ።
ተልእኾን ዘይሻራዊነትን ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንጋዜጠኛታት ካብ ጽልዋ፡ ጸቕጢ፡ ሕነ ምፍዳይ መንግስታትን ፖለቲከኛታትን ዝከላከል ፡ውሕስነት ዝህቦ ሕጊ ኣለዎ።
ኣብ 1976 ፕረዚደንት ጀራልድ ፎርድ ክታሙ ዘንበረሉ ቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-
1.ድምጺ ኣሜሪካ ቀጻልነት ዘለዎ ተኣማንነትን ኣብ ጭብጢ ዝሰረተን ምንጪ ዜና ኮይኑ ከገልግል’ዩ። ዜና ድምጺ ኣሜሪካ ቅኑዕ፡ ውድዓዊን ምሉእነት ዝሓዘን ይኸውን።
Category
Telephone
Website
Address
330 Independence Ave. SW
Washington D.C., DC
20237